ካብ ሰሎሞናዊ ሚቶሎጂ ናብ ዘመተ መቕደላን ሕልናዊ ምትንሳእን
1ይ ክፋላ {ቀዳማይ ክፋል}
ኣብዛ ዓለም’ዚኣ ብዘይ ምኽንያት ዝካየድ ወይ ብዘይ ፍረ ዝተርፍ ናይ ህይወት ዑደት የልቦን። “ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ።” ውልቀ-ምልክነት፡ ናይ ስልጣንን ፖለቲካን ምባሕት፡ ወይ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ውድቀት ካብ ባዶ ወይ ብድንገት ዝበቖሉ ፍጻመታት ኣይኰኑን። እዚ ኲሉ ናይ ሎሚ መከራናን ፖለቲካዊ ሕንቅል-ሕንቅሊተይናን፡ ፍረ ናይቲ ትማሊ ብስነ-ልቦናዊ ስንፍናን ብፖለቲካዊ ዕውርነትን ዝተዘርአ መሪር ሱር እዩ። እሾኽ ዝዘረአ ፍረ በለስ ኣይቅንጥስን፤ ዓመጽን ግፍዕን ዝዘረአ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ኣይዓጽድን።
ሓደ ዘርኢ ኣብ መዓሙቕ መሬት ምስ ተቐብረ፡ ንግዜኡ ህይወት ዘይብሉ ይመስል እምበር፡ ኣብ ውሽጡ ህይወት ናይ ዓቢ ኦም ሒዙ እዩ ዝጸንሕ። ሕልና ሕብረተሰብ እውን ከምኡ እዩ፤ እቲ ዝተዘርአ ናይ ሓቂን ናይ ፍትሕን ዘርኢ ንግዜኡ ተዓፊኑ ክጸናሕ ይኽእል እዩ፡ ኣብቲ ዝግባእ እዋን ክቦቊልን ፍረ ክህብን ግና ዝዓግቶ ሓይሊ የልቦን።
ኣብ ታሪኽ ዞባና ን704 ዓመታት—ማለት ካብ 1270 ዓመተ ምሕረት የኩኖ ኣምላክ ንስርዓት ዛጒ ገልቢጡ ዘኣተዎ ክሳብ 1974 ሃይለሥላሴ ብደርጊ ዝወደቐሉ—ዓቢ ናይ ኣእምሮን ስነ-ልቦናዊን ባርነት ኮይኑ ዝጸንሐ ትረኻ እንተሃልዩ፡ እቲ ብተረኻት ዝተኣለየ ሰሎሞናዊ ስርወ መንግስቲ እዩ። እዚ ንህዝቢ ብትረኻ ኣደንዚዝካ ንምግዛእ ዝተዘርአ ናይ ኣእምሮ ባርነት ነይሩ። ኣብዚ መጽናዕትና፡ ናብቲ ብጽውጹዋይ ዝተሃነጸ ቀዳማይ ምኒልክ ዝበሃል ናይ ፈጠራ ዛንታ ኣይክንኣቱን ኢና። ብስነ-ልሳንን ብታሪኽን እንተሪኢናዮ ግን፡ እቲ ሓቂ ባዕሉ ይወጽእ። እቲ ምኒልክ ዝብል ስም ባዕሉ ካብ ናይ ዓረብኛ እብን ኣል-መሊክ (ابن الملك) ወይ ካብ ዕብራይስጥ በን መሌክ (Ben Melech) ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ብቕጥታ ወዲ ንጉስ ወይ ወዲ ሰሎሞን ማለት እዩ። ነዚ ኣስዕብ ኣቢሉ እቲ ትረኻ፡ ንግስቲ ሳባ ንምኒልክ ኣብ ማይ-በላ ወሊዳቶ ይብለና። ማይ-በላ ማለት እቲ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቦታ ጐዶፍን ካናለ መተሓላለፊ ረሳሕ ፈሳሲን እዩ። እዚ ዓይነት ታሪኻዊ ፈጠራ፡ ብፍጹም ንመቆጻጸሪ፡ ንምልኪን ብልሽውናን ክኸውን ዝተጻሕፈ እዩ። እዚ ን704 ዓመታት ዝተዘርአ ዘርኢ ንዞባና ኣብ ክንዲ ብሕግን ብፍትሕን ዝመራሕ፡ ብናይ ደም ትውልዲ እናተመራሐ ንሕብረተሰብ ኣብ ጸልማት ኣእትይዎ ይርከብ።
ኣብ ማእከል እዚ ናይ 700 ዓመታት መከራ እዩ ድማ ሓደ ፍሉይ፡ ሕውስውስ ዝበለ ሰብኣዊ ባህሪ ዝነበሮ ሰብ ዝበቖለ፦ ካሳ ኃይሉ ወይ ንጉስ ቴዎድሮስ። ካብ ወዲ ሸያጢት ኮሶ ናብ ዝፋን ዝደየበሉ መገዲ ድማ ናይቲ ንዘመናት ዝዘለቐ ስነ-ልቦናዊ መቊሕ መግለጺ እዩ። ቴዎድሮስ ካብ ተራን ድኻን ስድራቤት ኣብ ቋራ እዩ ተወሊዱ። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ንነዊሕ እዋን ተገሊሉን ተረሲዑን ዝጸንሐ ሰብ እዩ ነይሩ። እቶም ናይ መሳፍንቲ ወለዶ ወዲ ሰሎሞን ኣይኰነን እናበሉ ይንዕቁዎ ነበሩ። እቶም መሳፍንቲ ብንዕቀት የኮሶ ሻጭ ልጅ—ማለት ወዲ እታ ኮሶ ሸይጣ ዘዕበየቶ ድኻ እመቤት—እናበሉ የሕስርዎ ነበሩ። እታ ምስኪን ኣዲኡ ንሕማም ከብዲ ዘሕዊ ኮሶ እናሸየጠት እያ ዘዕበየቶ።
ቴዎድሮስ ግን ብነድሪን ብውሽጣዊ ቁስልን ተደሪኹ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ እቲ ንዓመታት ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ንዕቀት ንሃገር ናብ ሕሱም ሓደጋ ሸመማ። ንሱ እውን ከምቶም ዝንዕቁዎ ዝነበሩ መሳፍንቲ፦ "ኣነ እውን ናይ ሰሎሞን ደም ኣሎኒ" ኢሉ ብሓይሊ ክጣበቕ ጀመረ! ሓደ ኣባ ሰላማ ዝተባህለ ናይ ግብጺ ጳጳስ ድማ ንቴዎድሮስ ከም ንጉስ ገይሩ ቀበኦ። ካብኡ ንደሓር፡ ካሳ ዝብል ናይ ወላዲኡ ስም ደርብዩ፡ ቴዎድሮስ ዝብል ናይ ዘውዲ ስም ወሰደ። ስለምንታይ ቴዎድሮስ? ምኽንያቱ ኣብቲ ናይ 13 ክፍለ-ዘመን ናይ ተረኻ መጽሓፍ ክብረ ነገሥት፦ "ኣብ መወዳእታ ዘመን ቴዎድሮስ ዝበሃል ሓያል ንጉስ ክነግስ እዩ፡ ንሮማዊ እምፓየር ከኣ ከንበርክኾ እዩ" ዝብል ትንቢት ስለ ዝነበረ እዩ።
እቲ ዘሕዝን ድማ፡ ሃይለስላሴን ኣቦታቱን ንቴዎድሮስ ካብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ደምሲሶምዎ ነይሮም እዮም። ነገር ግን ኣብ 1960ታት፡ ጀነራል መንግስቱ ንዋይ ኣብ ልዕሊ ሃይለስላሴ ናይ ዕልዋ ፈተነ ምስ ገበሩ፡ እቶም ኣማኸርቲ ሃይለስላሴ ንቴዎድሮስ ካብ መቓብር ኣውጺኦም ፕሮፓጋንዳ ገበርዎ። ሽዑ እዩ ድማ ሓደ ግጥሚ ዝተደርሰ፦
> ሺህ ፈረስ በኋለው ሺህ ፈረስ በፊቱ
> ይህን ሳታይ ሞተች ኮሶ ሻጭ እናቱ
>
ብታሪኻዊ ዲፕሎማስያዊ ኣረኣእያ፡ ናይ ቴዎድሮስን እንግሊዝን ምርኻብ፡ ዲፕሎማስያዊ ምግሃስን ዘይምሕር ናይ ፖለቲካ ጌጋን እዩ ነይሩ። ቴዎድሮስ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ብዝተልዓለሉ ናይ መሳፍንቲ ዕልዋን፡ ካብ ዶባት ዝመጾ ዝነበረ ስግኣታትን ተጨኒቁ፡ ንንግስቲ ቪክቶርያ ናብ እንግሊዝ ደብዳበ ሰደደላ። ቴዎድሮስ ወተሃደራዊ ውዕል ንምእሳር እዩ ደብዳበ ሰዲዱ። ንግስቲ ቪክቶርያ ግን ነታ ደብዳበ ንዒቓ ዘልኣለማዊ ስቅታ መረጸት። ገሊኦም ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ ቴዎድሮስ ንቪክቶርያ ናይ መርዓ ሕቶ እዩ ሰዲዱላ፡ ንሳ ድማ ብንዕቀት መልሲ ከልኪላቶ ይብሉ። ቴዎድሮስ ብሕሰምን ብሕርቃንን ተደሪኹ፡ ነቶም ኣብ ዓዱ ዝነበሩ ናይ እንግሊዝ ኣምባሳደራትን ሚስዮናውያንን ጅሆ ገበሮም። ብፖለቲካዊን ሕጋዊን ኣረኣእያ፡ እዚ ናይ ቴዎድሮስ ውሳነ፡ ዘይምሕር ናይ ስነ-ልቦናዊ ሕሱምነትን ናይ ፖለቲካ ስንፍናን ዘርኢ እዩ ነይሩ። ብዘይ ኣፍልጦኡ ድማ፡ ቴዎድሮስ ንሃገሩ ዘይመጣጠን ናይ ወጻኢ ወራር ባዕሉ ዓደመላ።
እዚ ታሪኽ እዚ ናብ ወራር ናፒየር፡ ውዕል ደጊያት ካሳን ዘመተ መቕደላን ኣስገረ። ንግስቲ ቪክቶርያ ነቶም ጅሆ ዝተሓዙ ዜጋታታ ንምድሓን፡ ብጀነራል ናፒየር ዝምራሕ ዓቢ ወተሃደራዊ ወፈራ ኣዘዘት። ኣብ ሓጺር እዋን፡ ብኣማኢት ዝቖጽራ ናይ እንግሊዝ ናቪ መራኽብ፡ ናብቲ ጥንታዊ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዶብና ዝኾነ ኣዱሊስ መጻ። ኣብ ኣዱሊስ ብኣሽሓት ዝቖጽሩ ሰራሕተኛታት፡ ወተሃደራት፡ ኣእዱግን ኣፍራስን፡ እንተላይ ዓበይቲ ሓራምዝ ተጻዕነ። እዞም ሓራምዝ እዚኦም ነቲ ዓበይቲ ኣግራብን ኣጽዋርን ናብ ናይ ሓበሻ ጐቦታት ንምግዓዝ እዮም መጺኦም።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓያል ሰብኣይ ደጊያት ካሳ (ድሕሪኡ ንጉስ ዮሃንስ ራብዓይ ዝተበሃለ) እዩ ነይሩ። ደጊያት ካሳ ንቴዎድሮስ ስዒሩ ንሱ ንጉስ ክኸውን ዓቢ ሃንቀውታ ነበሮ። ስለዚ፡ ደጊያት ካሳ ካብ ናይ ሃገርን ካብ ናይ ዞባን ረብሓ ንላዕሊ፡ ናይ ስልጣን ህንጥይነቱ ኣቐዲሙ ምስ ጀነራል ናፒየር ውዕል ኣሰረ። ደጊያት ካሳ ነቲ ናይ እንግሊዝ ሓይሊ መገዲ መሪሑ፡ ስንቅን ሓበሬታን እናሃበ፡ ናብ መቕደላ ከም ዝበጽሑ ገበረ። እታ ቴዎድሮስ መንበረ መንግስቱ ዝገበራ መቕደላ፡ ብስምታ ኣብ ገሊላ ዘላ ናይ ፍልስጥኤም ቁሸት መቕደላ ዝተሰምየት ነበረት። ድሕሪ እቲ ናይ መቕደላ ኲናት፡ ገሊኦም እንግሊዛውያን ወተሃደራት ንኣዋልዶም መግደሊን (Magdalene) ኢሎም ስም ኣውጽኡለን። ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት፡ ጀነራል ናፒየር ንሰራዊት ቴዎድሮስ ደምሰሶ። ንጉስ ቴዎድሮስ ድማ ካብ ብኢድ እንግሊዛውያን ዝእሰር፡ ሞት መሪጹ ነፍሱ ኣጠፍአ። ሰራዊት ናፒየር ድማ ናብ ናይ ዘመተን ምብርባርን መስርሕ ኣተዉ፡ ንመቕደላን ንኣካባቢኣን ዘለዋ ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስቲያናት፡ መጻሕፍቲ፡ ናይ ወርቅን ብሩርን ቅርስታት ብምሉኡ ዘሚቶም ባዶ ገበርዎ።
ናብ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ኢልና እንተርኢና፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ንዕዘብ። ዓበይቲ ህዝብታትን ታሪኽ ዝቐየሩ ምንቅስቓሳትን፡ ካብ ዓበይቲ ከተማታትን ካብ ሃብታማት መንግስታትን ኣይኰኑን ተበግሶኦም ዝወሰዱ። ብኣንጻሩ፡ ካብቶም ዝተነጸሉ፡ ኣብ ዘይተደለየ መሬት ዝተሓጸሩ፡ ብባዕዳውያን ዓመጽቲ ዝተገፉዕ ዘይተራእዩ ንኡሳን ሕብረተሰባት እዮም ተበጊሶም። ንኣብነት፡ ኣብ ናይ ቀደም ዘመናት፡ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ማእከላይ እስያ፡ ጐቦታት ኣናቶልያ፡ ብሰንኪ ናይ ባዕዳውያን ንጉሳትን ናይ ውሽጢ ከዳዓት ጉጅለታትን ዓመጽ፡ ሰላም ዝሰኣኑ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝስደዱ፡ ኣብ ድንኳናት ዝነብሩ ንኡሳን ወተሃደራውያንን ፈረስኛታትን ሕብረተሰባት ነይሮም። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፡ ብቁጽሪ ውሑዳት፡ ንዋታዊ ሃብቲ ድኻታት ነይሮም። ነገር ግን ኣብ ውሽጦም ዘይነጽፍ ናይ ተውሒድን ናይ እምነትን ሓይሊ፡ ከምኡ እውን ንሓድነቶምን ንክብሮምን ዘጽንዕ ንፍትሒ ዘቐድም ናይ እምነት ሕልና ነበሮም።
እዞም ህዝቢ፡ ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ዓበይቲ ሃጸያት ብዓመጽን ብምስፋሕፋሕን ክፈርሱ እንከለዉ፡ ንሳቶም ግን ናይ መትከልን ናይ ሓቂን ዘርኢ ዘርኡ። ብሓደነት ተኣሲሮም፡ ንመሰሎምን ንእምነቶምን ተኣማነቲ ኮይኖም ተንስኡ። እቲ ብእምነት ዝተዘርአ ንኡስ ዘርኢ ድማ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዓቢ ገረብ ኰይኑ ኣድሐነ፡ ንኣማኢት ዓመታት ንሙሉእ ዓለም ብፍትሕን ሰብኣዊ ክብረትን ዝገዝእ ታሪኽ ፈጠረ።
እቲ ምስጢር ኣብ ቁጽሪ ወይ ኣብ ናይ ብረት ብዝሒ ኣይኰነን ዘሎ—እቲ ምስጢር ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሕልና ምትንሳእ እዩ ዘሎ! ሓደ ሕብረተሰብ፡ መንነቱ፡ እምነቱ፡ ታሪኹን ባህሉን ክድፈር እንከሎ "ሐራይ" ኢሉ እንተተቐቢልዎ፡ እቲ ውድቀት ኣብኡ ይጅምር። ነገር ግን "ሓቂ ምስና እያ፡ ፍትሒ ድማ ናይ ፈጣሪ እያ" ኢሉ ብጽንዓት እንተቆይሙ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ናይቶም ጽኑዓት እዩ ዝኸውን። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ናይ ሙስሊም ሕብረተሰብ ዘሎ ታሪኻዊ ውርሻ፡ ናይ ጽንዓትን ናይ መስዋእትን ዓቢ መሰረት እዩ። እዚ ሕብረተሰብ እዚ፡ ንዘመናት ዘሕለፎ ናይ መከራን ናይ ግፉዕን መኣዲ ውሑድ ኣይኰነን። ነገር ግን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ፡ እምነቱ ከየህሰሰ፡ ክብሩ ከይሸጠ፡ መንነቱ ድማ ዘየድፈረ ህዝቢ እውን እዩ።
ጽንዓት ማለት ብዘይ ግብሪ ምጽባይ ማለት ኣይኰነን። መሬት ብዘርኢ፡ ሕብረተሰብ ድማ ብግብሪ ይለምዕ ይበሃል፤ እምነት ብዘይ ግብሪ ምዉት እዩ፡ መሰል ብዘይ ቃልሲ ኣይርከብን እዩ፡ ሓድነት ድማ ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ፍቕርን ኣይህነጽን እዩ። እቲ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ክበራበር ዘለዎ ሕልና፡ ናይ ኒፋቕን ምፍልላይን ወረታት ዘይኰነስ፡ ናይ ሓቅን መሰልን ድምጺ እዩ። ሓደ ሰብ ንባዕለ ነፍሱ እንተዘየኽቢሩ፡ ካልእ መጺኡ ክብሪ ኣይህቦን እዩ። ሓደ ሕብረተሰብ ንመሰሉን ንእምነቱ ብግቡእ እንተዘይተቓሊሱ፡ ባዕዳውያን ወይ ዓመጽቲ መጺኦም ክብሪ ኣይህብዎን እዮም። ሕብረተሰብና ናብቲ ናይ ኣቦታቱ ጽንዓት፡ ተውሒድ፡ ሓድነትን ፍትሕን መገዲ ክመጽእ ኣለዎ። እቲ ንዓመታት ዝተዘርአ ናይ ፍርሃትን ናይ ተኣዛዝነትን ዘርኢ ክንቀል ኣለዎ፤ ኣብ ክንድኡንስ ናይ ትብዓት፡ ናይ ፍትሕን ሓደነትን ዘርኢ ክተከል ኣለዎ።
እቲ ዝተዘርአ ዘይምሕር ፍረ ግን ኣብ መወዳእታ ንነፍሲ ወከፍና ሕቶ የቕርበልና። ነፍሲ ወከፍና ክንሓስቦ ዘለና ናይ ሓቂ ሕቶ ኣሎ፦ ኣነ ሎሚ እንታይ እዘርእ ኣለኹ? እንተደኣ ፍርሃትን ስቕታን ዘሪእና፡ ፍረ ውድቀትን ግፉዕን ኢና ክንዓጽድ። እንተ ምፍልላይን ኒፋቕን ዘሪእና እውን፡ ፍረ ውድቀትን ድኽነትን ኢና ክንዓጽድ። ነገር ግን፡ እንተደኣ እምነት፡ ሓድነት፡ ትብዓትን ናይ ፍትሒ ቃልስን ዘሪእና፡ እቲ ፍረ ናብ ግብራዊ ዓወት፡ ናይ ክብሪ ህይወትን ብሩህ መጻእን ክኸውን እዩ። ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ! እቲ ሎሚ ብንብዓትን ብመስዋእትን ዝተዘርአ ናይ ፍትሒ ዘርኢ፡ ጽባሕ ብሓጎስን ብዓወትን ክዕጸድ እዩ። እቲ ንግዜኡ ዘንጸባረቕ ዘሎ ናይ ዓመጽቲ ሓይሊ ድማ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ሃጸያት፡ ብሓይሊ ሓቕን እምነትን ክህሞኽን ክወድቅን እዩ። ሕልናና ንበራብር! መንነትናን እምነትናን ንሓሉ! ንመሰልናን ንፍትሕን ድማ ብሓደነት ንተንስእ! ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን፡ እቲ ብእምነት ዝተዘርአ ድማ ኣይመክንን!
By B.O
Support Eri Meeting Point
Keep independent media alive




