Wednesday, September 2

Breaking
ካብ ሰሎሞናዊ ሚቶሎጂ ናብ ዘመተ መቕደላን ሕልናዊ ምትንሳእን · ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ! · What Eritrean Christians Fail to Understand About Eritrean Muslims and Islam Itself · What Eritrean Muslims Fail to Understand About Eritrean Christians — Part 1 · History of the State of Eritrea: Facts and Overview
Articles

ዝኽሪ መበል 65 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ

By newsroom··
#opinions
ዝኽሪ መበል 65 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ

እሞ ሽግ መስከረም ደኣ ብከመይ እያ ከይቅሃመት ክትቅጽል? ብድሌት ጥራሕ?! ድሌትን መትከልን ኣብ ናይ ትግባረ መስርሕ ኣትዮም ፣ ኣብ ናይ ግዜ መቓን ሰዂዕካ እንተዘይተሰሪሕሎም ኣረግትን ተራሳዕትን እዮም።

ዝኽሪ መበል 65 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ

 

ጋዜጣዊ መግለጺ

 

ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

 

 01 መስከረም 2026

 

 

“ሽግ መስከረም ኣይክትቕህምን እያ” ደምበ ተቓውሞ ንናይ ሎሚ ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምዝካር ዝመረጾ ቴማ እዩ። ትርጉምን ዕላማን ናይዚ ጭርሖ እዚ ብጣዕሚ ንጹር እዩ። ብልክዕ  ውን ነዚ ንሓልፎ ዘለና ኩነታታ ዝገልጽ እዩ። ትርጉም ናይዚ ጭርሖ እዚ ንመኸተን ትምክሕትን ሽግ መስከረም ዝገልጽ፣ ነዞም ንሃገርና ንምሻጥ ሃነፍነፍ ዝብሉ ወገናት ድማ ኣብ ትሕቲ ዝኮነ ይኹን ኩነትታት ኢድና ከምዘይንህብ ዘዘኻኽር እዩ። ስለዚ ከም ጭርሖ ንህልው ኩነታት ህዝብን ሃገር ኤርትራ ዝውክል ጭርሖ እዩ። ካብ ጭርሖ ምዃን ሓሊፉ ናይ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ  መትከልን እምነትን እዩ። ነዚ መትከል እዚ ካብ ምጭራሕ ሓሊፉ ናብ ተግባር ንምቕያር ዝሰርሑ ወገናት ግን ክንደይ እዮም? ክንደይ ካብ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ውድባት ንስለዚ እዛ ጭርሖ ክብሉ ሕድገታት ክገብሩ ይክእሉ? ክንደይ ካብ ኣባላት ባይቶ ነዚ መትከልን ጭርሖን ኣሚኖም ውሽጣዊ መደባቶም ኣወንዚፎን ናብ ሓደ ግንባር ክስለፉ ይኽእሉ?  ኩሎም? ኖ ዋላ ሓደ ወገን የለን።

 

ንጭርሖታትካን መትከልካን ዋጋ ምኽፋል ዘይትኽእል እንተ እንተኾይንካ ከመይ ገርካ ኢኻ እታ ሽግ ብሓያል ንፋስን ህቦብላን ካብ ምቕሃም ክትከላኸለላ? መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ኮይኑ ይስምዓና።

ህዝቢ ኤርትራ ሽግሩ ብጭርሖታት ወይ ውን ኣብ ውረቐት ተጽሒፎም ብዝርስዑ መትከላት ኣይኮነን ዝፍታሕ። ወድዓዊ ኩነታት ምስ ሓያል ድልውነት ዝሓትት፣ ዝተሓላለኸ ሽግራት ናብ ክትርድኦ ዘጸግም ጉዳይ ኢና ኣቲና ዘለና። ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረ ብዛዕባ ዲክታቶርነት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ወይ ውን ዘይምትግባር ቅዋም ተባሂሉ ብቀሊሉ ዝግለጽ ዝነበረ ኣይኮነን ዘሎ። ውሽጣዊ ፍልልያት ተኣኻኺቦም ናብ ጥርዚ በጺሖም ኣለዉ። ዞባውን ዓለማውን ግጭታት እንዳዓበዩ ንምክትታትሉ ብዘጸግም መልክዕ ይምዕብሉ ኣለዉ።

 

እሞ ሽግ መስከረም ደኣ ብከመይ እያ ከይቅሃመት ክትቅጽል? ብድሌት ጥራሕ?! ድሌትን መትከልን ኣብ ናይ ትግባረ መስርሕ ኣትዮም ፣ ኣብ ናይ ግዜ መቓን ሰዂዕካ እንተዘይተሰሪሕሎም ኣረግትን ተራሳዕትን እዮም።

 

ስለዚ ሽግ መስከረምን ታሪኽ ሰውራን ንኤርትራ ትብሃል ሃገር ንምፍጣር እዩ ነሩ። ኤርትራ ምድሓንን ምዕቃብን ከኣ እዩ ነቲ ሰውራ ተዘካሪ ዝገብሮን ነታ ሽግ ውን ንዘልኣለም ከም ተብርህ ዝገብራ።

 

ሃገርና ኤርትራ ብወሽጢ ብከም ኢሰያስ ዝኣመሰሉ ከደዓት ሰባትን ሃገራውነት ዘይብሎም በለጸኛታት ጉጅለታትን ናብ ክትምለሰሉ ዘይትኽእል ኣንፈት ትኸይድ ኣላ። ብደገ ውን ብውዲታዊ ኣጀንዳታት ናይ ጎረባብቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ትርከብ ኣላ። እሞ ንሕና ከም ኤርትራውያን ንሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ምዓት እዚ ንምድሓን ሕድገታት ክንገብር ኣይንኽእልን ዶ? ሽግ መስከረም ከይትጠፍእ ከ ብሓባር ክንዋደቐላ ኣይግባእን ዶ ትብሉ?

 

በዚ ኣጋጣሚ ናብ ኩሎም ተቓለስቲ ውድባት፣ ምንቅስቓሳት፣ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ነመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ፣ ኩሉ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፕሮግራማትና፣ ፍልልያትናን ኣረኣእያናን ንጎኒ ኣጽኒሕና ኣብ ሓደ ሃገራዊ ግንባር ክንስለፍ ይግባእ። በዚ ድማ ሓባራዊ ሓላፍነትን ውሳነታት ክንወስድ ንኽእል።

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ

 ሓደ መስከረም ንዘልኣለም ትኽበር

Eri Meeting Point Media Center

Support Eri Meeting Point

Keep independent media alive

Donate

Comments

No comments yet. Be the first to share your thoughts!

Leave a Comment