ስለዚ፣ እቲ ፕሬዚዳንታዊ ስርዓት እንተጸዲቑን ተተግቢሩን፣ ካብቶም ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝያዳ ጽልዋ ዘለዎም ለውጥታት ሓደ ክኸውን እዩ።
ውጽኢትን ውሳነታትን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ዘተ ኢትዮጵያ
ሪፖርት ውጽኢትን ምውጻኢታትን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ዘተ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ – ፌደራላዊት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ
15 ሓምለ – 22 ነሓሰ 2026
መእተዊ
ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ 15 ሓምለ ክሳብ 22 ነሓሰ 2026 ን40 መዓልታት ዝተኻየደ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣኼብኡ ዛዚሙ። እቲ ዘተ ኣብ ትሕቲ “ሃገር ብዘተ ትረጋገጽ” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ኮይኑ፣ ኣስታት 4,000 ተሳተፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ብሄራትን፣ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን፣ ትካላት ሃይማኖትን፣ ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብን፣ ተወከልቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ወጻኢን ከምኡውን ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ሞያዊን ክፍልታት ተሳቲፎምዎ። እቲ ዘተ ብኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ፣ ብመሪሕነት ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ፣ ተኻይዱ።
ኣብ እዋን ሃገራዊ ዘተ ብዛዕባ መጻኢ እታ ሃገርን ርግኣትን ብቐጥታ ዝተኣሳሰሩ ሰፊሕ ፖለቲካዊ፣ ሕገ-መንግስታዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ተመያይጦም። ካብኣቶም ቅርጺ መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን፣ ሃገራዊ መንነት፣ ቋንቋታት፣ ስርዓተ ምሕደራ፣ ፍሉይ ፌደራላዊ ኩነታት ከተማታት፣ ሃይማኖታዊ መሰላትን ናጽነታትን፣ ምቕርሐ ጸጋታትን ተፈጥራኣዊ ሃብትን፣ መሰላት ሓረስቶትን ብምርባሕ እንስሳት ሂወቶም ዝመርሑ ሕብረተሰባትን፣ ምህናጽ ትካላት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቅን ይርከቡዎም።
ውጽኢት እቲ ዘተ ብፍሉይ ፖለቲካዊን ሕገ-መንግስታዊን ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ብዙሓት ካብቶም ዝተመያየጡሎም ጉዳያት ንኢትዮጵያ ንዘመናት ዝፈተኑ ፖለቲካዊን ብሄራዊን ግጭታት መሰረት ዝኾኑ ምዃኖም እዩ።
ኣገዳሲ ነጥቢ ክጠቐስ ዘለዎ ግን፣ ውጽኢት ሃገራዊ ዘተ፣ ብመሰረት ባህርይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሓሳብ፣ ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ምስ ጸደቐ ብኡንብኡ ተፈጻሚ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። እቶም ሕጋዊ ወይ ቅዋማዊ ባህርይ ዘለዎም ጉዳያት ናብ ዝምልከቶም ትካላት፣ ብፍላይ ድማ ናብ ፓርላማ፣ ክቐርቡን ኣድለይቲ ሕጋውያን ስጉምትታት ክሓልፉ ይግባእ።
ቀዳማይ፡ ወንዲ ውጽኢታት ሃገራዊ ዘተ
{1} ቅርጺ መንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን
ውጽኢት ዘተ እቲ ኣብ ብሄራትን ህዝብታትን ዝተመስረተ ፌደራላዊ ስርዓት ክቕጽል፣ እንተኾነ ግን ኣብ ኣፈጻጽምኡ ዝተራእዩ ጉድለታት ክተዓራረዩን ኣድለይቲ ምምሕያሻትን ጽገናን ክግበረሉን ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እዚ ብቀጥታ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣለዎ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ነቲ ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓት ብመሰረቱ ክስረዝ ኣይጽውዕን፣ ኣብ ክንዳኡ ንመሰላት ብሄራትን ሓድነት ሃገርን ፖለቲካዊ ርግኣትን ዝያዳ ሚዛን ክወሃቦ ምእንታን ክምሓየሽ ይጽውዕ።
ብተመሳሳሊ፣ ን ምምሕያሽ ሕገ-መንግስቲ ዝምልከቱ ሓሳባት፣ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 39 ዝርከብ ንኡስ ኣንቀጽ 5 ክስረዝ ሓሳብ ኣቕሪቦም። እዚ ንክልላት፣ ብሄራትን ክሳብ ምፍንጫል ዘብጽሕ መሰል ርእሰ ውሳኔ ዝህብ ኣንቀጽ እዩ።
እዚ ሓሳብ ልዕለ ሓያል ሕገ-መንግስታዊ ተኣፋፊ ለውጢ እዩ፣ ምኽንያቱ ክሳብ ምፍንጫል ዝበጽሕ መሰል ውሳነ ርእሰ-ምምሕዳር ምስ ባህርይ ኢትዮጵያዊ ፌደራላዊ ስርዓትን ምውቃር ፖለቲካዊን ብሄራዊን ቅርጺን ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ መሰረታዊ መትከል እዩ።
ስለዚ፣ ኣብዚ ኣንቀጽ ዝግበር ዝኾነ ለውጢ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላትን ብሄራትን ዘሎ ርክብ፣ ከምኡውን መጻኢ ኣመሓዳድራ ፖለቲካዊን ብሄራዊን ብዙሕነት እታ ሃገር ብቐጥታ ዝጸሉ እዩ።
{2} ሃገራዊ መንነት፣ ቋንቋታትን ሰንደቕ ዕላማን
ዘተ ሃገራዊ ዕውቂያ ኣገልግሎት ንዝህቡ ቋንቋታት ክሰፍሕ ሓሳብ ኣቕሪቡ፣ እዚኣቶም ድማ፦
* ኣምሓርኛ።
* ኦሮምኛ።
* ሶማልኛ።
* ዓፋርኛ።
* ትግርኛ።
እዚ ኣገላልጻ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቋንቋዊን ብሄራዊን ብዙሕነት ዝያዳ ዝቕበል ሃገራዊ መንነት ንምፍጣር ዝግበር ፈተነ እዩ።
ከምኡውን፣ ንቋንቋ ዓረብ ዝያዳ ትኹረት ኣብ ትምህርታዊ ትካላትን ምስ ኢኮኖሚያዊን ንግዳዊን ንጥፈታት ዝተኣሳሰሩ ቤት ጽሕፈታትን ክወሃብ ምኽሪ ቀሪቡ። እዚ ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባ ዓረብን ኣብ ርክብን ንግድን ባህላዊ ምልውዋጥን ዘለዎ ኣገዳስነት ቋንቋ ዓረብ ብምርኣይ እዩ።
ብዛዕባ ሃገራዊ ሰንደቕ ዕላማ[ባንዴራ] ድማ፣ እቲ ሕጂ ዘላ ባንዴራ ኢትዮጵያሰንደቕ ዕላማ ኢትዮጵያ ክትቕጽል ዝብል ውሳኔ ተወሲዱ፣ እዚ ድማ ካብ ፖለቲካዊን መንነታዊን ምግርጫዋት ርሕቕ ኢልካ ክረአ እንከሎ፣ ሓደ ካብ ሓባራዊ ሃገራዊ ምልክታት ኮይኑ ክዕቀብ ዘሎ ድሌት ዘርኢ እዩ።
{3} ስርዓተ ምሕደራ
ካብ ኣገዳሲት ሓሳባት ውጽኢት ሃገራዊ ዘተ፣ ካብ ፓርላማዊ ስርዓት ናብ ፕሬዚዳንታዊ ስርዓት ንምስግጋር ዝብል ሓሳብ እዩ።
ብመሰረት እቲ ሓሳብ፣ ፣ ዕድመ ስልጣን ሽዱሽተ ዓመት ክኸውን ሓደ ፕረሲደንት ንክልተ ዙርያ ጥራሕ ክመርሕ ክፍቀዶ።
እዚ እማመ ኣብ ቅርጺ ፖለቲካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ክህሉ ዝገብር እዩ። ርክብ ፕረሲደንት፣ ፓርላማ፣ መንግስትን ክልላትን ክቕይር፣ ከምኡውን ስልጣን ኣብ ውሽጢ ፈጻሚ ኣካል ከመይ ከምዝከፋፈል ክጽሎ ይኽእል።
ስለዚ፣ እቲ ፕሬዚዳንታዊ ስርዓት እንተጸዲቑን ተተግቢሩን፣ ካብቶም ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝያዳ ጽልዋ ዘለዎም ለውጥታት ሓደ ክኸውን እዩ።
{4} ኩነታት ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን
ውጽኢት ዘተ ብዛዕባ ፍሉይ ኩነታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ተመያይጡ፣ ክልቲአን ከተማታት ካብቲ ኣብ መንጎ ከባቢያዊ መንነት፣ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላትን ዘሎ ርክብ ዝያዳ ተኣፋፊ ጉዳይ እዩ።
ንኣዲስ ኣበባ፣ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ኮይና ክትቀጽል፣ ከምኡ ውን ኣብ ታሪኻዊን ጂኦግራፍያዊን መሬት ኦሮሞ እትርከብ ፍልይቲ ከተማ ምዃና ክእመን፣ እዚ ፍሉይነት እዚ ዝምልከት ድማ ናይ ከባቢ ርእሰ-ምምሕዳር መዋቕር ክወሃባ ሓሳብ ቀሪቡ።
ንድሬዳዋ ድማ፣ ብሰንኪ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኣ፣ ብዙሕነት ህዝባን ፖለቲካዊ ተኣፋፍነት እታ ከተማ፣ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ክትቕጽል፣ ነበርታ ግን ንምምሕዳር እታ ከተማ ብቐጥታ ናይ ምምራጽ መሰል ክህልዎም ሓሳብ ቀሪቡ።
ክልቲኦን ጉዳያት ምስ መሬት፣ መንነት፣ ፖለቲካዊ ውክልና፣ ከባቢያዊ ምሕደራን ዝምድና ፌደራላዊ መንግስትን ክልላትን ብቐጥታ ዝተኣሳሰሩ ስለዝኾኑ ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎም።
{5} ናጽነት ሃይማኖት
ውጽኢት ዘተ ናጽነት ኣምልኾን ሃይማኖታዊ ልምድን ክረጋገጽ፣ እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ መግለጺታት ክከላኸሉ ዝኽእሉ ሓሳባት እእዮም። ሓደ ካብኡ ከም ሒጃብን ኒቃብን ምልባስ ዝኣመሰሉ ሃይማኖታዊ መግለጺታት እዩ። ከም ኣብ ዩኒቨርሲታትን ገለ ህዝባዊ ትካላትን ንኣምልኾ ዝኸውን ፍሉይ ቦታታት ክዳለዉ ድማ ሓሳብ ቀሪቡ።
እዚ ውጽኢት ብፍላይ ንኢትዮጵያውያን ሙስሊም ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም ሓፈሻዊ መትከል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣብ ህይወት ህዝቢ፣ ኣብ ላኦለይዋይ ትምህርቲን ኣብ ህዝባዊ ትካላትን ኣብ ተግባር ንምውዓል ዝዓለመ ስለዝኾነ።
{6} ተፈጥሯዊ ሃብትን ርክብ ክልላትን ፌደራላዊ መንግስትን
ምጪ ተፈጥርኣዊ ሃብቲ ዝኾነ ክልል፣ ካብ እቲ ዝርከብ ኣታዊ ዝዓበየ እጃም ክወሃቦ፣ ንፌደራላዊ መንግስቲ ድማ ሓደ ክፋል ክወሃብ ሓሳብ ቀሪቡ።
እዚ እማመ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልላትን ዘሎ ፋይናንሳዊ ርክብ ንምስትኽኻል፣ ኣብ ምክፍፋል ኣታዊውን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝያዳ ፍትሒ ንምምርግጋጽ ዝዓለመ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓ ድማ ህዝቢ ካብ ሃብቲ ከባቢኡ ዝያዳ ተጠቃሚ ብምግባር፣ ልምዓት ክድግፍን ምስ ሃብቲ ዝተኣሳሰሩ ግጭታት ክቕንስን ይኽእል።
{7} መሰላት ሓረስቶትን ምርባሕ እንስሳታትን
ውጽኢት ዘተ ኣብ መንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳት ዝኾኑ ሕብረተሰባትን ማዕረ መሰላት ክህልዉ ዝብል ብመትከል ኣረጋጊጹ። እዚ ብፍሉይ ኣብ ምርባሕ እንስሳታት ዝተመርኮሰ ህይወት ዘለዎም ከባቢታት ፍሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ።
እዚ እማመ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ምሬት ዘሎ ኣድልዎ ንምቕናስ፣ ብምርባሕ እንስሳታት ሂወቶም ዝመርሑ ወገናት ኣብ ልምዓት፣ ኣገልግሎት፣ ሃብትን ሕጋዊ ማዓርነት መሰል ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
እዚ መትከል እዚ ናብ ተግባራዊ ፖሊሲ እንተተቐይሩ፣ ምስ መሬት፣ ማይ፣ መስመራት ሞጋዓዝያን ተፈጥርኣዊ ሃብትን ዝተኣሳሰሩ ግጭታት ንምፍታሕ ኣብ መሰረታዊ ምኽንያታቶም ክኾኑ ይኽእሉ።
ካልኣይ፡ ካልኦት ዓበይቲ መዳያት ሃገራዊ ዘተ
ምስቲ ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቐሱ ጉዳያት ብተወሳኺ፣ እቲ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ብዙሓት ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ትካላዊን ጉዳያት ተመያይጡ።
ካብኣቶም፦
* ምህናጽ ሃገርን ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትን።
* ምህናጽን ምምዕባልን ትካላት።
* ልዕልና ሕግን ናጽነት ትካላትን።
* መሰላት ሰብን መሰረታዊ ናጽነትን።
* ጥዑይ ምሕደራን ምቁጽጻር ብልሽውናን።
* ሰላምን ሃገራዊ ዕርቅን።
* ኣፈታትሓ ግርጭታትን ሰላማዊ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭታት ምሕያል።
* ምሕያል ሓባራዊ ናብራ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራት፣ ሃይማኖታትን ማሕበራዊን ወገናትን።
እዞም መዳያት እዚኣቶም ንምትግባር ውጽኢት ዘተ ክምርኮሰሎም ዝግባእ ሓፈሻዊ መዋቕር እዮም። ምኽንያቱ ጉዳያት ፌደራሊዝም፣ መንነት፣ ሃብትን ምሕደራን ብዘይ ሓያላት ትካላት፣ ልዕልና ሕጊ፣ ከምኡውን ውጽኢታዊ ኣገባብ ዕርቅን ፍታሕ ግርጭትን ክዕወቱ ኣይክእሉን።
ሳልሳይ፡ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ገምጋም ውጽኢት ዘተ
ውጽኢት ሃገራዊ ዘተ ከም ፈተነ ናይ ኣብ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ምንጪ ውጥረትን ፖለቲካዊ ፍልልያትን ዝኾኑ መሰረታዊ ጉዳያት ንምውዳብ ክረአ ይከኣል።
ካብ ዝተመዝገቡ ዝበለጹ ምጥንኻራት፦
1. ፌደራላዊ ስርዓት ከይስረዝ ንምምሕያሽን ምምዕባልን ምንዳይ።
2. ንብዙሕነት ብሄራትን ቋንቋታትን እታ ሃገር ዘንጸባርቕ ንዝዓበዪ ቋንቋታት ሃገር ሃገር ኣፍልጦ ምሃብ።
3. ኣብ ሓሳብ ፕሬዚዳንታዊ ስርዓት ዕድመ ፕሬዚዳንት ክልተ ዙርያታት ከይሓልፍ ምውሳን።
4. ገለ መዳያት ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ምጥንኻርን ካብ ሓፈሻዊ መትከል ናብ ዝያዳ ግብራዊ ምቕያርን።
5. ክልላት ካብ ተፈጥርኣዊ ሃብትታቶም ዝያዳ ክጥቀሙ ምግባር፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ግን ኣብ ኣታዊ ተሳታፊ ክኸውን ምግባር።
6. መትከል ማዕረ መሰል ሓረስቶትን ኣርሕቲ እንስሳን ዝመርሑ ሕብረተሰባትን ምርግጋጽ።
7. ፍሉይ ኩነታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ኣብ ክንዲ ንፖለቲካዊ ግርጭታት ምግዳፍ ብመድረኽ ዘተ ምምሕዳር።
8. ጉዳያት ሰላም፣ ዕርቅ፣ ምህናጽ ትካላትን ልዕልና ሕግን ኣብ ኣጀንዳ ምህናጽ ሃገር ምጽናዕ።
ብኻልእ ወገን ግን፣ ዝዓበየ ብድሆ ኣብ ምጽራይ ምኽርታት ጥራይ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ እዞም ምኽርታት ናብ ሕገ-መንግስታዊን ሕጋዊን ስርዓታትን ተግባራዊ ፖሊሲታትን ከመይ ከምዝቕየሩ እዮም ዝብል እዩ።
ብፍላይ እቶም ብዛዕባ ኣንቀጽ 39፣ ስርዓተ ምሕደራ፣ ምክፍፋል ሃብቲን ኩነታት ኣዲስ ኣበባን ዝምልከቱ ሓሳባት ዝያዳ ተኣፋፊ ስለዝኾኑ፣ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ፣ ክልላት፣ ብሄራትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሰፊሕ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ክትዕ ከልዕሉ ይኽእሉ።
ራብዓይ፡ ውጽኢት ዘተ ብወገን ኣረእያ ኢትዮጵያውያን ሙስሊም
ኣብ ውጽኢት ዘተ ብፍላይ ንኢትዮጵያውያን ሙስሊም ኣገደስቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ብዙሓት ነጥብታት ኣለዉ።
ካብኣቶም ቀዳማይ ናጽነት ኣምልኾን ሃይማኖታዊ ልምድን ምምሕያሽ፣ ሃይማኖታዊ መግለጺታት ከም ሕጃብን ኒቃብን ምክልኻል፣ ከምኡውን ኣብ ዩኒቨርሲታትን ህዝባዊ ትካላትን ናይ ኣምልኾ ቦታት ምድላው እዩ።
ከምኡ ‘ውን፣ ቋንቋ ሶማልኛ ኣብ ሃገራዊ ስራሕ ምሕዋስ ንማሕበረሰብ ሶማል ኣገዳሲ ምዕባለ እዩ። ብተመሳሳሊ፣ መትከል ማዕረ መሰል ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳታት ሂወቶም ዝመርሑ ሕብረተሰባትን ኣብ ብዙሓት ክልላት ንዝነብሩ ሙስሊም ሓረስቶትን እንስሳት ዘፍርዩ ሕብረተሰባትን ፍሉይ ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል።
ከምኡውን፣ ተፈጥርኣዊ ሃብቲ ዝርከበሎም ክልታት ዝዓበየ ክፋል ኣታዊ ክረኽቡ ዝብል መትከል፣ ብፍላይ ኣብ ዝደኸመ መሰረተ ልምዓትን ኣገልግሎትን ዘለዎም ከባቢታት ዓቢ ልምዓታዊ ኣገዳስነት ክህልዎ ይኽእል። እዚ ግን ብፍትሕን ብግልጽነትን ክትግበር ይግባእ።
እንተኾነ ግን፣ እዞም ረብሓታት ጽሑፋትን ምኽርታት ጥራሕ ክተርፍ ኣይግባእን። ናብ ሓቀኛ ዋጋ ዘለዎ ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ ወይ ባብ ዝምዘን መሰላዊ ተግባር ክሰጋገር ይግባእ። እዚ እማመን ምኽርን ብሕጋዊ መስርሕ ተግባራዊ ምእንታን ክኸውን ንዕኡ ዘተግብሩ ፖሊስታት ክሕንጸጹ ኣለዎም።
ሓምሻይ፡ ንውጽኢት ዘተ ኣብ ምትግባር ከጋጥሙ ዝክእሉ ብድሆታት
ዋላ እኮ ውጽኢት ዘተ ኣገዳሲ እንተኾነ፣ ኣተገባብራኡ ብዙሓት ብድሆታት ክገጥሞ ይኽእል።
ካብኣቶም፦
ቀዳማይ፡ ሕገ-መንግስትን ሕጋዊን ብድሆታቱን
ገለ ካብ ውጽኢታት ምምሕያሽ ሕገ-መንግስትን ሕጋዊ ለውጥታትን ይጠልቡ። ስለዚ ኣድለይቲ ሕጋውን ትካላውን ስጉምትታት ክመሓላለፉ ይግባእ።
ካልኣይ፡ ፖለቲካዊ ብድሆ
ብፍላይ ብዛዕባ ፌደራሊዝም፣
ኣንቀጽ 39፣ ስርዓተ ምሕደራን ምክፍፋል ሃብትን ዝምልከቱ ጉዳያት፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ክልላትን ብሄራትን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ክትዕ ክፈጥሩ ይኽእሉ።
ሳልሳይ፡ ብድሆ ምህናጽ ሃገራዊ ስምምዕ
ዓወት ሓደ ዘተ ብቑጽሪ ተሳተፍቲ ወይ ብዓቐን ክትዓትን ጥራይ ኣይምዘንን። ኣብ ክንዳኡ መንግስትን ፖለቲካውያንን ማሕበራውያንን ሓይልታትን ነዞም ምኽርታት ናብ ዘላቒ ሃገራዊ ስምምዕ ናብ መሰረታዊ ስጉምትታትን ናይ ምቕያር ድልውነትን ብቕዓትን ክህልዎ ይግባእ።
ራብዓይ፡ ብድሆ ግብራዊ ኣፈጻጽማ
ዋላ እቲ ዝበለጸ ሕጊ እንተኾነ፣ ብዘይ ተግባራውያን ትካላት፣ ኣገባብ ቁጽጽርን ተሓታትነትን፣ ከምኡውን ኣድለይቲ ፋይናንሳዊን ኣወዛዝዓ ሃብትን ናይ ምዕዋት ተኽእልኡ ክግድል ይክእል።
ሓምሻይ፡ ብድሆ ፖለቲካዊ ምትእምማን
ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ፣ ክልላት፣ ብሄራት፣ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ማሕበራዊ ክፍልታትን ዘሎ እምነት ከዕቢ ዝኽእል ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ክህሉ ኣለዎ።
ሻድሻይ፡ መደምደምታ
ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያነቶ ንነዊሕ ዓመታት ምንጪ ፍልልይን ዘይምርግጋእን እታ ሃገር ዝኾኑ ፖለቲካዊን ሕገ-መንግስታዊን ጉዳያት እንደገና ንምራኣይ ዝተገብረ ኣገዳሲ ፈተነ እዩ ክበሃል ይከኣል።
ኣገዳስነት ውጽኢት ዘተ ኣብ ቀጥታዊ ምስራዝ እቲ ዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ዘይኮነስ፣ ኣብ ክንዳኡ ንምምሕያሽን ምምዕባልን፣ ከምኡውን ገለ ካብ ሕገ-መንግስታዊ ሕግታቱን ኣገባባት ምቕርሐ ስልጣንን ሃብትን መሰላትን እንደገና ንምርኣይ ዝተገብረ ፈተነ ምዃኑ እዩ።
እቶም ብዛዕባ ቋንቋታት፣ ናጽነት ሃይማኖት፣ ተፈትርኣዊ ሃብቲ፣ መሰላት ኣርባሕቲ እንስሳትን ሓረስቶትን፣ ኩነታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ዝቐረቡ ሓሳባት፣ ብግቡእ እንተተተግቢሮም ኣብ መንጎ መንግስትን ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብን ዝያዳ ሚዛናዊ ርክብ ንምህናጽ ዝሕግዝ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል።
እንተኾነ ግን፣ እቲ ዝዓበየ ምዕራፍ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ኣኼባ እዩ ዝጅምር። ሓቀኛ ዓወት እቲ ዘተ ብቑጽሪ ተሳተፍቲ ወይ ብዓቐን ሰነዳትን ምኽርታትን ኣይክምዘንን እዩ። ኣብ ክንዳኡ ካብ ደረጃ ዘተ ናብ ደረጃ ተግባር፣ ካብ ምኽርታት ናብ ሕግታት፣ ካብ ሕግታት ናብ ተግባራዊ ኣፈጻጽማ፣ ካብ ተግባራዊ ኣፈጻጽማ ድማ ናብ ምህናጽ እምነትን ርግኣትን ክስጋገር ኣብ ዘሎ ተኽእሎታት እዩ ዝውሰን።
ስለዚ፣ መጻኢ እዞም ምኽርታት ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ክምርኮሱ እዮም፦
* ፖለቲካዊ ስምምዕ
* ሕጋውነት ሕገ መንግስቲ
* ንተግባራዊ ኣፈጻጽማ ከሳልጡ ዝኽእሉ ትካላዊ ዓቕምታት
እዞም ሰለስተ ነገራት እንተተማሊኦም፣ ሃገራዊ ዘተ ናብ ዝያዳ ርግኣትን ፍትሕን ሚዛንን ዘለዋ ኢትዮጵያ ንምህናጽ ኣገዳሲ ስጉምቲ ክኸውን ይኽእል። እዚ ድማ ንብሄራዊ፣ ቋንቋዊን ሃይማኖታዊን ብዙሕነት ብምኽባር፣ ዜግነታዊ መንነትን ልዕልና ሕግን ብምሕያል፣ ከምኡውን ፖለቲካዊ ፍልልያት ብሰላማዊ መንገድን ብሕገ-መንግስታዊ ትካላትን ንምምሕዳር ክሕግዝ እዩ።
እንተኾነ ግን፣ እዞም ምውጻኢታት ኣብ ደረጃ እማመታት ጥራይ ተወሲኖም፣ ግሉጽ ኣገባብ ኣፈጻጽማ፣ ምክትታልን ተሓታትነትን እንተዘይ ተዳልዩሎም፣ እዚ ኣገዳሲ ፖለቲካዊ ዕድል እዚ ብዘይጥቕሚ ኮንቱ ክኸውን እዩ።
ብ ዑመር ጣሃ
ትርጉም Eri Meeting Point
Support Eri Meeting Point
Keep independent media alive


