Sunday, October 18

ህጹጽ
ዝኽሪ መበል 65 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ · ቀዳማይ ፖለቲካዊ ሰሚናር Eri Meeting Point · ውጽኢትን ውሳነታትን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ዘተ ኢትዮጵያ · ናይ ኤርትራ ባንዴራ ተምበልብል ዝነበረት ናይ ነዳዳዲ መርከብ፣ ብሶማላውያን ቀርሰንቲ ተጨውያ · ካብ ሰሎሞናዊ ሚቶሎጂ ናብ ዘመተ መቕደላን ሕልናዊ ምትንሳእን
ዜና

ቀዳማይ ፖለቲካዊ ሰሚናር Eri Meeting Point

ብ newsroom··
#politics
ቀዳማይ ፖለቲካዊ ሰሚናር Eri Meeting Point

“ንሓርነትና እምበር ንገዛእቲ ደርብታት ኢልና ንኸፍሎ ደም የብልናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ ሰሚናር ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳይ ኣተኲሩ ዘትዩ።

ቀዳማይ ፖለቲካዊ ሰሚናር Eri Meeting Point

                                                                                                                                

29 ነሓሰ 2026

ሉዛን ስዊትዘርላንድ

 

  • ቀዳማይ ፖለቲካዊ ሰሚናር Eri Meeting Point ትማሊ 29 ነሓሰ 2026 ኣብ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊትዘርላንድ ተኻይዱ። እቲ “ንሓርነትና እምበር ንገዛእቲ ደርብታት ኢልና ንኸፍሎ ደም የብልናን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ ሰሚናር ኣብ ክልተ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳይ ኣተኲሩ ዘትዩ።

ቀዳማይ ኣርእስቲ “ህልው ኩነታታ ሃገራናን ዞባናን” ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ ህልው ኩነትታት ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ። እዚ መጽናዕቲ ካብ ዝተኮረሎም ዓበይቲ ነጥብታት ምስ እንርኢ፣ ኣብ ዞባና ዘሎ ተኣፋፊ ኩነትታ ከመይ ገሩ ከምዝማዕበለ ምስ ኣመጻጽኣ እተን ሃገራት ብምትእስሳር ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ። ቀጺሉ ድሕረ-ባይታ ኢሰያስ ኣፍወርቂን ውልቃዊ ድሌታቱን፣ ንሃገርናን ህዝብናን ናብ ከመይ ዓይነት ሓደጋታት ከምዘቃልዖን ብሕጂ ዝሓስቦ ዘሎ ሽርሕታትን ኣብሪሁ። ከምኡ ውን ኣሰላልፋ ሓይልታት እዚ ዞባን ፋሕፋሕ ዝበለ ድሌታቶምን ዝምልክተ ትንተናታት ተዋሂቡ።

ኣብ ዝቐጸለ ኣርእስቲ ብዛዕባ ፕሮጀክት Eri Meeting point ዝምልከት ዝርዝራዊ ሓበሬታን መብርህን ንተሳተፍቲ ተዋሂቡ። ዕላማን ራእን ናይ Eri Meeting Point ዝምልከት፣ ከምኡ ዝተሓለፈ ሓርጎጽጎጽን ዝተበጽሐ ምዕባሌታትን ብደቂቕ ተዘሪቡሉ።ተሳተፍቲ ብወገኖን ብሕቶታትን ርእይቶታትን ተሳትፍኦም ገሊጾም። ብለበዋን ምልውዋጥ ሓሳብትን ድማ ጽቡቅ ተዛዚሙ።

 ብሉዛን ዝጀመረ ፖለቲካዊ ሰሚናር 2026 ንዕለት 05 መስከረም ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ክቕጽል ምዃኑ እንዳሓበርና፣ ኣብ ኩለን ከተማታት ኤውሮጳ ኣብ ዝካየድ ሰሚናራት ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

 

 

ን Eri Meeting Point ደግፍ

ናጻ ሚዲያ ብሕይወት ክቅጽል ህግዝ

ሓገዝ

ርእይቶታት

ገና ርእይቶ የለን። ቀዳማይ ኩን!

ርእይቶ ሃብ