Wednesday, September 2

Breaking
ካብ ሰሎሞናዊ ሚቶሎጂ ናብ ዘመተ መቕደላን ሕልናዊ ምትንሳእን · ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ! · What Eritrean Christians Fail to Understand About Eritrean Muslims and Islam Itself · What Eritrean Muslims Fail to Understand About Eritrean Christians — Part 1 · History of the State of Eritrea: Facts and Overview
News

ዘተ ሰላም ብልጽግናን ሕወሓት ኣብ ናይሮቢ

By newsroom··
#politics
ዘተ ሰላም ብልጽግናን  ሕወሓት ኣብ ናይሮቢ

ብሞንገንኘት ሕብረት ኣብፍሪቃን ሃገረ ከንያን ኣብ መንጎ ብልጽግናን ሕወሓትን ዘተ ንምክያድ ወከልቲ ክልቲኦም ወገና ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ናይሮቢ ከንያ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ውሽጣዊ ምንጭታት ገሊጾም።

ብሞንገንኘት ሕብረት ኣብፍሪቃን ሃገረ ከንያን ኣብ መንጎ ብልጽግናን ሕወሓትን ዘተ ንምክያድ ወከልቲ ክልቲኦም ወገና ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ናይሮቢ ከንያ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ውሽጣዊ ምንጭታት ገሊጾም።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተወለዐ ኲናት ብኣማኢት ኣስሓት ዝግመቱ ዜጋታት እታ ሃገር ከምዝሃለቑ ይፍለጥ። ኣብ 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፍለጥ ስምምዕ ሰላም ስ ድሕሪ ልዕሊ ስለስተ ዓመትን መንፈቕን ዝኾነ ዝጭበጥ ውጻኢት ክህብ ኣይከኣለን ጥራሕ ዘይኮነ ቅድሚ ውሑዳት ኣዋርሕ ብወግዒ ከምዝፈረሰ ብወገን ሕወሓት ተገሊጹ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ዋላ እኳ ነቲ ደማዊ ኲናት ደው እንተኣበለ ክልቲኦም ወገናት በቲ ስምምዕ ከምዘይተገዘኡን ብኣንጻሩ፣ ነኒሓድሕዶም ክካሰሱ ከምዝጸነሑ ይፍለጥ።

 ሕወሓት ፣ ስርዓት ብልጽግና ንካልእ ኲናት ንኽዳሎ ግዜ ክሽምት እምበር ስምምዕ ፕሪቶርያ ናይ ምፍጻም ድሌት የብሉን እኮ ደኣ ደጊሙ ንሕወሓትን ትግራይ ከምበርክኽ ይሰርሕ ከምዘሎ ይኸሱ። ኣፈኛታት ብልጽግና ብወገኖም ሕወሓት ን27 ዓመታት ንህዝቢ ኢትዮጵያን ብዓመጽ ገዚኡ ከይኣኽሎ ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ። ምስ መንግስቲ ኤርትራን ሰራዊት ሱዳንን ኮይኑ ኣንጻር ህዝብን ሃገርን ኢትዮጵያ ሰይጣናዊ ስራሕ ኣብ ምስልሳል ከምዝርከብ እዮም ዝገልጹ። ነዚ ስዒቡ ኣብ 01 ነሓሰ ዝጀመረ ሓዲሽ ጎንጺ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወግናት ክቕጽል ቀንዩ ።

ነዚ ናብ ዞባዊ ኲናት ናይ ምምዕባል ተኽእሎታት ዝሓዘ ሓዲሽ ኲናት ደውን ናይ ምባልን ንክልቲኦም ወገናት ናብ ናይ ዘተ ጣውላ ንምቕራብን ብዙሓት ዞባውያን ሓይልታት ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክገብሩ ከምዝጸነሑ ይፍለጥ። በዚ መሰረት ድማ ብልጽግናን ሕወሓትን ዳግም ናብ ናይ ዘተ ጣውላ ኮፍ ንምባልን ንፍልልያቶም ካልእ መፍትሒ ንምንዳይን ናብ ናይሮቢ ክኸዱ ዓቢ ትጽቢት ይግበር።

Newsroom

Support Eri Meeting Point

Keep independent media alive

Donate

Comments

No comments yet. Be the first to share your thoughts!

Leave a Comment