Sunday, October 18

ህጹጽ
ዝኽሪ መበል 65 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ · ቀዳማይ ፖለቲካዊ ሰሚናር Eri Meeting Point · ውጽኢትን ውሳነታትን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ዘተ ኢትዮጵያ · ናይ ኤርትራ ባንዴራ ተምበልብል ዝነበረት ናይ ነዳዳዲ መርከብ፣ ብሶማላውያን ቀርሰንቲ ተጨውያ · ካብ ሰሎሞናዊ ሚቶሎጂ ናብ ዘመተ መቕደላን ሕልናዊ ምትንሳእን
ዜና

ሰራዊት ኤርትራ ብሽነኽ ዓዲ ግራት ናብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ተገሊጹ

ብ newsroom··
#politics
ሰራዊት ኤርትራ ብሽነኽ  ዓዲ ግራት ናብ ትግራይ ከም ዝኣተወ ተገሊጹ

ሰራዊት ኤርትራ ብወገን ዓዲ ግራት ናብ ትግራይ ክልተ ክ.ሰራዊት ከምዘእተዉ ተገሊጹ።

ካብ 02 ነሓሰ 2026 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብረታዊ ጎንጺ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ምዕራባዊ ሽነኽ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ውልዕ ጥፍእ እንዳበለ ይቕጽል ከምዘሎ እውን ኩሎም ዜጋታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሻቕሎት ዝከታተልዎ ዘለዉ ጉዳይ እዩ። ካብቲ ዞባ ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታታ ከምዘረጋግጾ ሰራዊት ኤርትራ ብወገን ዓዲ ግራት ናብ ትግራይ ክልተ ክ.ሰራዊት ከምዘእተዉ ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ኲናት ብቕጥታ ምስታፎምን ዘይምስታፎምን ግን ዝተረጋገጸ የለን። ብወገን ደንካያ ውን ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ብከባቢ ባዳ ይጽጋዕ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም። እዚ ብሰራዊት ፈደራልን ሕውሓት ዝመርሖም ሓይልታት ትግራይን ዝጀመረ ውግእ ናብ ዞባዊ ኲናት ክምዕብል ዘሎ ተኽእሎ እንዳዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ውን ስጋኣት ብዙሓት ሰባት እዩ።

ን Eri Meeting Point ደግፍ

ናጻ ሚዲያ ብሕይወት ክቅጽል ህግዝ

ሓገዝ

ርእይቶታት

ገና ርእይቶ የለን። ቀዳማይ ኩን!

ርእይቶ ሃብ