Tuesday, June 30

ህጹጽ
ታሪኽ ሃገረ ኤርትራ · ቅልውላው መጎዓዝያታት ኣብ ከተማታት ኤርትራ · ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ናብ ጫድ ይልሕም
ታሪኽ

ታሪኽ ሃገረ ኤርትራ

Newsroom··
#eritrea#history#horn of africa#eritrean independence
ታሪኽ ሃገረ ኤርትራ

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ብዛዕባ ታሪኻዊ ምዕባለ ኤርትራ፣ ዘመነ መግዛእቲ፣ ቃልሲ ሓርነት፣ ከምኡ ውን ጆግራፊያዊ ኣገዳስነታ።

ሓቅታት ብዛዕባ ኤርትራ

ኤርትራ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ 1890 ነዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ጆክራፊካዊ ቅርጺ ሒዛ።

ቅድሚ 1890 ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖለቲካውን ማሕበራውን ማኣከልነታት ይውንን ነሩ። ከምኡ ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ውሽጣዊ ሕግታትን ምስ ከባቢኡ ዝራኸበሉን ዝካየደሉን ውዕላት ነርዎ።

ካብ 1890 ክሳብ 1941 ጣልያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሓይልትታ ኪዳን (ብሪጣንያ) ተሳዒሩ ክሳብ ዝወጽእ ንልዕሊ 51 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ይነብር ነሩ።


ዘመነ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ብሪጣንያን ፈደረሽንን (1941–1962)

ካብ 1941 ክሳብ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 1952 ዝምስረት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ተመሓዲሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ መሰረታዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣካይዱ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ናብቲ ኣብ ግዚኡ ዘላቒ ተባሂሉ ዝተገልጸ ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ይኹን እምበር እቲ ዘይተመጣጠነ ዓቕሚ ብቀሊሉ ብኢትዮጵያውያን ክምዝመዝ ጀሚሩ። ኣይጸነሐን ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ 14 ነሓሰ 1962 ንኤርትራ መበል 14 ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ምዃና ኣወጀ።


ብረታዊ ቃልሲ ሓርነት (1961–1991)

ካብ 1952 ጀሚሮም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሰለማዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘይሕጉሳት ዝነብሩ ሃገራውያንን ኣብ 1 መስከረም 1961 ብመርሒነት ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ብረታዊ ቃልሲ ኣዊጆም።

ካብ 1962 ክሳብ 1974 ሃይማኖታዊ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ፣ ካብ 1974 ክሳብ 1991 ኮመኒስታዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ብስም ኢቲዮጵያ ንህዝቢ ኤርትራ ጨፍሊቖም። ህዝቢ ኤርትራ ብወገኑ ኣማራጺ ዘይብሉ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ቃልሲ ከካይድ ተገዲዱ።


ዓበይቲ ውድባት ቃልሲ

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ)

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዓብይ ኣበርክቶ ዘለወን ብዙሓት ውድባት እኮ እንተሃለው፣ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ሻዓብያ) ግን እቶም ዝዓበዩ እዮም።

መስመር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ 1961 ኣትሒዙ ክሳብ በቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ውድባት ዝተኻየደ ኲናት ሕድሕድ ተደፊኡ ኣብ 1981 ክሳብ ዝወጽእ ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳስን ወሳንን ተራ ተጻዊቱ ነዚ ሎሚ ከም ህዝብን ሃገርን ኣቑሙና ዘሎ ሃገራዊ መረዳእታ ፈጢሩ። ገለ ካብ ኣባላቱ ድማ ክሳብ ሕጂ (2026) ኣብ ቃልሲ ዝርከቡ ኣለዉ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ሻዓብያ)

መስመር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ በቶም ካብ ኣደ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተፈንጨሉ ሰለስተ ጉጅለታት ማለት ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ቀይሕ ባሕሪ)፣ ሰልፊ ናጽነትን (ጉጅለ ዓላ) ሓይልታት ሓርነትን (ጉጅለ ዑበል) ኣብ 1970 ዝቖመ ኮይኑ ብልፍንቲ ደረጃ ክሳብ 1977 ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1977 ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ብወግዒ ሓደ ውድብ ኮይኑ ዝቆመ እዩ።

ህዝብዊ ግንባር ኣብ 1991 ንስርዓት ደርጊ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ብምስዓር ሓንሳብን ንሓዋሩን ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ጸራሪጉ ዘውጸአ ሃገራዊ ውድብ እዩ።


ብሄራዊ መንነትን ኣውራጃዊ ምድብን

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ካብ 1996 ጀሚሩ ኣብ ሽዱሽተ ዞባታት ተዘርጊሖም ዝነብሩ ትሽዓተ ብሄራት ተባሂሉ ብህልዉ መንግስታዊ ስርዓት ይፍለጥ። ይኹን እምበር እዚ ቋንቋ መሰረት ዝገብረ ኣገላልጻ ዘይምእምኦም ብዙሓት ወገናት ኣለዉ። ንኣብነት ብቋንቋ መሰረት ጥራሕ እንተርኢና ፣ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ግን ከኣ ብቋንቋ ደርጃ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦም ኣርባዕተ ጉጅለታት ኣለዉ ንሳቶም ድማ ብሄራት ኤሊት፣ ሲሆ፣ዳሃሊካን ሃውሳን እዮም።


ኣውራጃታት (ቅድሚ 1996)

  1. ባርካ
  2. ሰንሒት
  3. ጋሽ ሰቲት
  4. ሳሕል
  5. ሰምሃር
  6. ደንካሊያ
  7. ኣከለ ጉዛይ
  8. ሓማሴን
  9. ሰራየ

ልሙድ ኣጸዋውዓታት

  1. ከበሳ
  2. መታሕት

ጆግራፊን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣን

ኤርትራ 124 ሽሕ ትርቢዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ መሬት ዘለዋ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝትርከብ ሃገር ኮይና ልዕሊ 1113 ኪሎ ሜተር ገማግም ባሕርን ልዕሊ 365 ዓበይትን ናሽቱን ደሴታት ትውንን።

ኤርትራ ብመሬት ምስ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት፦

  • ሱዳን (ምዕራብ)
  • ኢትዮጵያ (ደቡብ)
  • ጅቡቲ (ደቡባዊ ምብራቕ)

ከሙ ውን ብባሕሪ ምስ፦

  • ንግስነት ስዑዲ ዓረብ
  • ሪፓፕሊክ የመን

ትራኸብ።

ዓበይቲ ወደባትን ታሪኻውያን ኣፍደገታትን

  • ምጽዋዕ
  • ዓሰብ
  • ዙላ
  • ኣዶሊስ

ን Eri Meeting Point ደግፍ

ናጻ ሚዲያ ብሕይወት ክቅጽል ህግዝ

ሓገዝ

ርእይቶታት

ገና ርእይቶ የለን። ቀዳማይ ኩን!

ርእይቶ ሃብ