Wednesday, September 2

Breaking
ካብ ሰሎሞናዊ ሚቶሎጂ ናብ ዘመተ መቕደላን ሕልናዊ ምትንሳእን · ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ! · What Eritrean Christians Fail to Understand About Eritrean Muslims and Islam Itself · What Eritrean Muslims Fail to Understand About Eritrean Christians — Part 1 · History of the State of Eritrea: Facts and Overview
Articles

ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ!

By newsroom··
#opinions
ዝዘራእካዮ ኢኻ ትዓጽድ!

ዘርኢ ዕቑር ዓቕሚ ኣለዎ። እንተዀነ ግን ዘርኢ ብሓደ ለይቲ ናብ ፍረ ኣይቅየርን’ዩ።

ሰላም ክቡራት ተኸታተልቲ Eri Meeting Point

ኣብ ዓለም፡ ነገስታትን መለኽትን ይመጹን ይሓልፉን። ፖለቲካዊ ስርዓታት ይሃነጹን ይፈታትኑን። ነገር ግን ካብ ውሽጣዊ ደረቕ ጽሑፋት ቅዋምን ንግዲ ፖለቲካዊ ስልጣንን ንላዕሊ፡ ሓደ ፍጹም ዘይነቓነቕ፡ ዘይምሕር፡ ፍትሓዊ ዝዀነ ናይ ባህርይን ናይ ፈጣሪን ሕጊ ኣሎ። እዚ ሕጊ እዚ ድማ፦ "ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ" ዝብል ናይ ፍትሒ ወርቃዊ ሕጊ እዩ።

ኣብ ቅዱስ ቁርኣን " ​«إن أحسنتم أحسنتم لأنفسكم وإن أسأتم فلها»" (ጽቡቕ እንተ ገበርኩም ንነፍስኹም እዩ፡ ክፉእ እንተ ገበርኩም እውን ንነፍስኹም እዩ) ከም ዝበሎ፤ እዚ ሕጊ እዚ ርሕሩሕ ኣይብል ሕሱም፡ኣማኒ ኣይበል ዘይኣማኒ፡ዓሌት ኣይፈሊ ቀቢላ ኩሉ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ። ሰናይ ዘርኢ ዝዘርአ፡ ፍሬኡ ሓጎስን ባህታን ይዓጸድ። እሾኽን ዳንዴርን ዝዘርአ ግን፡ መሸላን ባልደንጓን ኣይዓጽድን።እቲ ፍረ፣ካብ ዘርኢ፣ኣዝዩ'ዩ ዝበዝሕ! ከምቲ እኽሊ ኣብ ግራት ዝዝራእ፡ ሓሳብ ከኣ—ክፉእ ኰነ ጽቡቕ—ኣብ ልቢ ሰብ እዩ ዝዝራእ። መዓልቱ ሓልዩ ድማ ይበቁል፡ ፍሬኡ’ውን ንዓጽዶ። በዚ ፍረ እዚ ድማ ሕብረተሰብ ወይ ይቕለት ወይ ይዝመት።

ዘርኢ ዕቑር ዓቕሚ ኣለዎ። እንተዀነ ግን ዘርኢ ብሓደ ለይቲ ናብ ፍረ ኣይቅየርን’ዩ። ድጒል ሓይሊ ዘርኢ ክግለጽ ግዜ ይወስድ። ዓያሹ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዘሎ ጥራይ ይጥምቱ። ዓው ኢሎም ይሓስቡ፡ ሳዕቤን ይዂን ጠንቂ መግደርኦም ኣርሒቖም ኣይግንዘቡን። እቶም ኣርሒቖም ዝጥምቱ ግን ነዚ የስተውዕልዎ።

ሓደ ዝፍልጥ ሓቂ ግን ኣሎ፦ "ሰብሪ" (ትዕግስቲ) ንጽቡቕ ጥራይ ኣይኰነን ዘገልግል። እኩያት እውን ንእከዮም ብሰላሕታን ብዓቕልን እዮም ዝዘርእዎ።

ውልቀ-ምልካውነት ብቕጽበት ተጠኒሱ ዝውለድ ፍጻሜ ኣይኰነን። ነዊሕ እዋን ዝወስድ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝጠልብ፤ ምቹእ ሰዓት፡ ባይታ፡ ኩነታት ዝሓትት፤ ብሰላሕታ፡ ብጭካኔ፡ ሕልና ንዘለዎም ወይ ኣሰንቢድካ ወይ ኣሕቂቕካ ዝብጻሕ ነዊሕ መስርሕ’ዩ።

እዚ ኣብ ሃገርና ሎሚ ኣጉላዕሊዑ ዘሎ ውልቀ-ምልካውነት እውን ፍረ ናይ’ቲ ቕድሚ ዓመታት እተዘርአ፡ ዝምሕዎ ወይ ዝጽህዮ ዘይረኸበ መሪር ሱር’ዩ። ሎሚ ንሕና እንዓጽዶ ዘሎና፡ ናይ’ቲ ትማሊ እተዘርአ ፍረ’ዩ።

ነቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብገርህነት ወይስ ሰኣን ቀልቢ ኽድግፍዎ ዝጸንሑ ሰዓብቲ ኔሮም’ዮም፡ ሕጂ’ውን ሒደት ኣይሰኣኑን። ነዚኦም የዋሃት እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ዓስከር ባህሊ Militarized Culture ምስ ወራር ወያነ ዝመጸን ብሰንኩ ኣድላዪ ዀይኑ ዝተረኽበን መደብ’ዩ ዝመስሎም።ገሊኦም " ጸላእትና እዮም ኣገዲዶሙና" ይብሉ። ግናኸ፡ ናይ ትማሊ ዝኽሪ ምፍታሽ ጥራይ እኹል እዩ!

እቲ ዲክታቶር ብቐደሙ፡ ወርትግ ዕላምኡ ንምትግባር ብመደብ ዝጅመሮ ፕሮጀክት ኲናት ኣለዎ፡ እዚ እናጀላሕካ ምብላል ባህሊ ምዃኑ ንምስትውዓል ዓቢ ናይ ፖለቲካ ሓሳቢ ምዃን ኣየድልይን። እቲ ዲክታቶር በቲ ዝሃነጾ ናይ ዕስክርና ሕብረተሰብ፡ እንተሰለጦ ንጐረባብቲ ሃገራት ኣጉባዕቢዑን ሃዲዱን ጐብለል ንምዃን፤ እንተ ወሓደ ግን ነቶም ንሕብረተሰብ ኤርትራ ሓቚፎም ደው ዘበልዎ መትንታትን ዝቐወድዎ ጅማውትን በጣጢሱ ንሓዋሩ ስኑፍን ድኹምን ዝዀነ ሃገርን ሕብረተሰብን ሰሪሑ፡ ኣድኒኑ ኣብ እንግድዕኡ ሸሸ ንምባል ብጊሓቱ እዩ ኣንቂዱ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገር ኣብ በሪኽ ተሰቒሉ ዘሎ ውልቀ ምልክነት፡ ከም ዓለልፈለል ኣብ ኣየር ኣይኮነን ኣንሳፊፉ ዝርከብ። በቲ ኣብ ማእከልን ታሕትን ዘሎ ኣዕኑድ'ዩ ተጸይሩ ዘሎ። እዚ ማለት! እቲ ዲክታቲርያዊ ስርዓት ኣብ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ጽምዋ ኣይነብርን እዩ። ወርቱ "እሺ ብዝብሉ" መጋበሪያታት ገይሩ ንባህላዊ ክብርታትና፡ ንሃይማኖታዊ ተኣማንነትና፡ ንንግዳውን ማሕበራውን ዝምድናታትና ኣዳኺሙ ሃሚኲዎ።ንታሪኽናን ንመሬትናን ዘጽበበ ናይ ፍርሃት ዘርኢ ኣየር ነፊሑ ዘሪኡልና።

ብዙሓት ሰባት ደሞክራሲ ማለት ቅዋም ምጽሓፍን፡ ኣብ ሓደ ውሱን ዓመት መጺእካ ኣብ ምርጫ ሳንዱቕ ጥራይ ዝካየድ ይመስሎም ኣለዉ። ኖእ!እዚ ግጉይ መረዳእታ እዩ።

ደሞክራሲ ቅዋምን ቅዋማዊ መንግስትን ተኺልካ፡ ምርጫታት ኣብ ውሱን ዓመታት ምክያድ ጥራይ ኣይኰነን። ንደሞክራሲ እቲ ኣውራ ዓንዱ፦ መሰሉ ዝፈልጥ፡ ንቑሕ ተሳታፊ ህዝቢ ምህናጽ እዩ።

ፍትሒ መሰረት ናይ ሰብኣዊ ኽብረት እያ።ሓደ ሕብረተሰብ መሰሉ እንተ ዘይፈሊጡ፡ መሰል ሓዉን ጎረቤቱን እንተ ዘየኽቢሩ፡ ዝዀነ ቅዋም ወይ መረጻ ንውልቀ-መልካውነት ካብ ምቕያር ሓሊፉ ፍትሒ ኣያምጽእን እዩ።

ነቲ ኣብ ምድርና ድሕሪ ሕጂ እንምነዮ ፍረ ፍትሕን ራህዋን ሰብኣዊ ኽብረትን ምእንቲ ኽንርኢ እምብኣር፡ ድሮ ዝተዘርአ ዘርኢ እንተ ዘይብልና ወይ ሕጊ ባህርይ ተረዲእና ሕጂ ኽንዘርእ እንተ ዘይተበጊስና፡ ኣብ ሓጺር መጻኢ እንበልዖ ጥዑም ፍርያት፡ ቅርዕው ምሕደራን ቅሳነትን ኣይክህልወናን’ዩ።

ብዕስክርና ናጽነቱን ትብዓቱን ተገፊፉ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ብናይ ሓርነትን ሰብኣዊ ኽብረትን ኣተሓሳስባ ንምትካእ እምበኣር፦

1. ብስርዓተ ትምህርቲ ዝተቐርጸ ናይ ምንጋፍ ጻዕርን ምምላስ ባህላዊ ኽብርታትን ይሓትት።

2. ንሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ወተሃደራዊ/ዕስክርናዊ ስምዒትን ሕጽቦ ኣእምሮን ንምንጋፍ ብኽኢላታት ስነ-ኣእምሮ፡ ፈላጣት ሕብረተሰብን ታሪኽን ዝእለ ሰፊሕ ናይ ሕብረተሰብ ሕውየት መደብ የድሊ።

ብተመሳሳሊ ጽባሕ’ውን ፍረ ናይቲ ሎሚ እንዘርኦ ምዃና ኣለሊና፡ ከይሰልከናን ተስፋ ከይቖረጽናን ሰናይ ዘርእና ሒዝና ክንወፍር ይግባእ።

ፍሉይ ንሕብረተሰብና ዝምልከት ጽጹይ መጽናዕትታት እኳ ኣድላዪ እንተ ዀነ፡ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ጽሑፍና ንገለ ካብቶም ብሊቃውንቲ ስነ-ልቦና ዝእመነሎምን ኣብ ሃገርና ብትዕዝብቲ እንርእዮምን ውልቀ-ምልካውነት ክጥጥዕ ዝሓገዙ ረቛሒታት ምስ መፍትሒ ሓሳባቶም ክንጠቅስ ኢና።

ክቡራት ተኸታተልቲ፡ እዚ ናይ ሎሚ ፈነወና ኣብዚ ክኣክል'ዩ! ነዚ ሓሳባት ዝያዳ ንምህብታምን ንምብራህን ዘኽእል እትብልዎ ርእይቶታትኩም ብዘይ ተጉላባነት ኣብቲ ናይ ርእይቶ ቦታ ግለጹልና።

ጽቡቕ ዘርኢ እንተዘራእና፡ ሰናይ ፍረ ክንዓጽድ ኢና።

Support Eri Meeting Point

Keep independent media alive

Donate

Comments

No comments yet. Be the first to share your thoughts!

Leave a Comment