ኣብ ዶባት ጫድን ሱዳንን ሓያል ብረታዊ ጎንጺ ከምዘጋጠመን 5 ኣባላት ሰራዊት ሃገረ ጫድ ከምዝሞቱን ብዙሓት ከምዝተጎደኡን ተገሊጹ።
ኣብ መንጎ እቶም ብመርሒነት ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ኣሕመድ ዶግሎ ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሕድሕድ ናብ ጎሮቤት ሃገረ ጫድ ውን ይልሕም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ስክፍትኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይዚ ወርሒ እዚ ኣብ ዶባት ክልቴን ሃገራት ሓያል ብረታዊ ጎንጺ ከምዘጋጠመን 5 ኣባላት ሰራዊት ሃገረ ጫድ ከምዝሞቱን ብዙሓት ከምዝተጎደኡን ተገሊጹ። ነዚ ስዒቡ ድማ መራሒ ሃገረ ጫድ መሓመድ እድሪስ ደይቢ ምስ ሱዳን ዘሎ ዶባት ክዕጾን ብጽኑዕ ክሕሎን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ይርከብ።
ፕረሲደንት መሓመድ እድሪስ ደይቢ ብዛዕባ እዚ ውሳነ ክዛረብ እንከሎ “ብዓቢ ንውሽጣዊ ጸጥታ ሃገሩ ዝምልከት ከምዝኾነ እንኮ እንተገለጸ፣ ብዙሓት ግዱሳት ወገናት ከምዝገልጽዎ ዘለዉ ግን እቲ ፕረሲደንት ነቲ ምስ ሃገራት ወሽመጥ ጋልፍ (ኻሊጅ) ዘለዎ ጽቡቕ ዝምድና ንምሕላው ብዙሕ ግዜ ነንሕድሕዱ ዝገራጮ ውሳነታት ክወስድ ከምዝጸነሐን እዚ ሕጂ ወሲድዎ ዘሎ ዶብ ናይ ምዕጻው ውሳነ ውን ካብኡ ዝፈለ ከምዘይኮነ እዮም ዝገልጹ። ጫድ ካብተን ብኲናት ሱዳን ብከቢድ ዝተጸለዋ ሃገራት ምዃና እዩ ዝፍለጥ።
ኣብ ጫድ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ወገናት ምስ ሓይልታት ዳዕም ኣል ሳሪዕ(RSF) ርኡይ ምድንጋጽ ከምዘርእዩ እኮ ዝግለጽ እንተኾነ ምስ ሃገረ ሱዳን ዘለዎም ዝምድና ክበላሸዎም ከምዘይደልዩ ግን ደጋጊሞም ይገልጹ።
ጫድ ከባቢ 20 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኣብ ልቢ ሳሃራ ስሜን ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ትቑጸር።
ን Eri Meeting Point ደግፍ
ናጻ ሚዲያ ብሕይወት ክቅጽል ህግዝ


